ድምፂ ኣሜሪካ ንኣካያዲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላስ ኣይተ ተኪኤ ግዳይ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ 132 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ከምዝዓደገ ሓቢሩ ኣሎ ።
ሎሚ ክልል ትግራይ ናይ ሙሉእ ዓመት በጀታ ዳርጋ 100 ሚልዮን ዶላር እዩ ዝበለ እቲ ፀብጻብ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ግና 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ናብ ካዝና ማእኸል ዓዲ ኣታዊ ዝገበረት ዘይተረበሐት ክልል ክብል ይሕብር ።
ሰበስልጣን ትግራይ፡ እቲ ክልል ኣብ እዋን ኲናት ዝተቛረጸ ወይ ዝዓነወ ኣገልግሎት ንምምላስ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ሕጽረት በጀት የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሮምለይ ክብል ድማ ፀብፂቡ ።
★ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ መሪሕነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣትዩ ይርከብ ኢሎም ድወት ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ሳምረ።
ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ህዝቢ እኹል ግልጋሎት ክረክብ ስለዘይከኣለ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ ኣካላት መሪሕነት ተቐራሪቦም ኣፈላላዮም ብምፅባብ ፀገም ህዝቦም ክፍትሑ ይግባእ ክብሉ እዉን እቶም ወገናት ሓቢሮም።
★ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ዘሎ ዘይ ምዕሩይ ከይዲ ልምዓት ናብ ልውጢ ንምምፃእ ፍሉይ ጠመተ ሂብካ ክስረሓሉ ከምዝግባእ ተመልኪቱ።
ምሁራን፣ መናእሰይን መንቃሕቲ ማሕበረሰብን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ዑደት ብምክያድ ህልዊ ኩነታት ልምዓት እቲ ኸባቢ ተዓዚቦም ኣለዉ።
★ ብጀኖሳይዳዊ ኵናት ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ቅርስታት፣ ሓድግታትን ትካላት ሃይማኖትን ንምፅጋን ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ብዕቱብ ክሰርሑ ፃውዒት ቐሪቡ።
እዚ ፃውዒት ዝቐረበ ንገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ልዕሊ ሸውዓተ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ዝተበርከተሉ እዋን እዩ።
★ ኩባንያ ሱር ኮንስትራክሽን ዘጋጠሞ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ተፃዊሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ህንፀት መሰረተ ልምዓት መንገዲ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ዝምልስንመርኣያ ህዝባውነት እቲ ትካልን ምዃኑ ነበርቲ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ገሊፆም።
ኣብታ ከተማ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ መንገዲ ኣስፋልት ቀልጠፎም ተሃኒፆም ንግልጋሎት ክበቕዑ ድማ እቶም ነበርቲ ሓቲቶም ኣለዉ።
