—ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራተይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ
ሌተነል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ነዙይ ዝበሉ ገምጋማዊ ዋዕላ ኮሜቴ ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣድሂቡ ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ እዩ ።
እቲ ፕሮጀክት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ዓበይቲ ለውጢታት ንምምፃእ ዝዓለሙ ዝርዝር መፅናዕቲታት ብቐዳምነት ከምዝተሰርሑ ገሊፆም ።
ጀነራል ፃድቃን ገ/ ትንሳኤ እቲ ፕሮጀክት ንህዝቢ ዝጣበቕ ንህዝቢ ፅቡቕ መልሲ ዝህብ መንግሰቲ ክህልው ምግባር ዝዓለመ እዩ ዝበሉ እንትኾን ብመሰረቱ ህዝቢ ዘገልግል መንግስቲ፣ቀዋሚ ዝኾነ ህንፀት ስርዓተ መንግስቲ እንጅምረሉ ከይዲ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ከይዲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ለውጢ ፓለቲካ ባዕልና ተጋሩ እንሰርሖ ስራሕ እዩ ክብሉ ሌተነል ጀነራል ፃድቃን ገ/ ትንሳኤ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ሚስተር ሳሙኤል ዶ ብወገኖም ድሕሪ ኩናት ዝፈረሱ ትካላት ኣብ ምህናፅ ፣አሳታፋይ ስርዓት ምሕዳራ ምምስራት ከምኡ እውን ዴሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኣካላት ፍትሒ ፣ሲቪል ሰርቪስ ፣ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ ድማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ውድባት ፓለቲካን ሲቪል ማሕበረሰበን ትኹረት ከምዝግበር ሚስተር ሳሙኤል ዶ ገሊፆም ።
ኣብቲ ዋዕላ ኣካላት ፍትሒ፣ ሚድያ፣መንግስቲ፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ውድባት ፓለቲካ፣ ሲቪል ሰርቪስ ፣ቤት ፍርዲ ከም መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዕላዊ ምዃኑ ዝተሓበረ እንትኾን ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ሓደ ዓመት ዝትግብር ምኻኑ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልምዓት ፕሮግራም(UNDP) ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጉጅለ ስርዓተ ምሕደራን ህንፀት ሰላምን ኣይተ ፍስሃ መኮነን ገሊፆም።
ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ፣ሲቪል ሰርቪስ ኮሚሽን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ፓሊስ ኮሚሽን፣ ቤት ህንፀት ፣መራኸብቲ ሓፋሽ፣ሲቭል ማሕበረሰብ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ እዩ።
ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ በቲ ኩናት ዝፈረሰ ስርዓት ምሕደራ ናብ ስሩዑ ተግባራት ስራሕቲ ምሕደራ ምምላስ ዕላማ ዝገበረ ምኻኑ ድማ ተገሊፁ እዩ።
ነቲ ፕሮጀክት 5 ሚልየን ዶላር በጀት ተመዲብሉ ዝፍፀም ምዃኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።








