Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕሬዚዳንት ፑቲን ሓሳብ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ሰላም ሩሲያ-ዩክሬን መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሓሳብ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ሩሲያ-ዩክሬን እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ጠጠው ንምባል መሰረት ሰላም ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡

ንሬውተርስ ፀሪሑ ኣልጄዚራ ከምዝፀብፀቦ÷ ኣፍሪካያን መራሕቲ ዘቕረቡዎ ትልሚ ሰላም ዋላ እኳ ሙሉእ ዝርዝሩ ዕላዊ ኣይገበር እምበር እቲ ጎንፂ ንምህዳእ ተኸታታሊ ስጉምቲታት ዘመላኸተ ኢዩ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም÷ ጦር ሩሲያ ንደሓር ክምለስ፣ ታክቲካዊ ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ሩሲያ ካብ ቤላሩስ ክወፅእ ምግባር፣ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ኣይ ሲ ሲ) ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዘውፀኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ እገዳን እፎይታ ማዕቐብን ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

“ይኹን እምበር ዩክሬን ንቕድሚት እናገሰገሰን ስልታዊ መጥቃዕቲ እናካየደትን” ትርከብ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ፑቲን÷ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩነታ ተኹሲ ጠጠው ክብል ምግባር ዘይከኣል ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ብኣፍሪካውያን መራሕቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሰላም ብወገን ቻይና ምስ ዝቐረበ ሓሳብ ንሰላማዊ መፍትሒ መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል እውን ኣመልኪቶም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *