ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን መሪሕነትን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ትማሊ 13 ጉንበት 2015 ዓ/ም ኣብ ህልው ኩነታት መሰረት ዝገበረ ዘተ ኣይዶም።
ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት፣ ንኹሎም ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ማሕለኻታትን ብድሆታትን ተፃዊሮም፣ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ክሕይልን ጉዳይ ትግራይን ህዝባን መዘራረቢ ዓለም ክኸውን ብምግባር ታሪኻዊ ግብኦም ከምዝፈፀሙ ዝሓበሩ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ፣ ሕዚ ድማ ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ናይ ሰላም ዕድል ብምጥቃም፣ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ከምቲ ልሙድ መሪሕ ተራ ክፃወቱ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ኣብቲ ዘተ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዝተለዓሉ ኮይኖም፤ ኣብ ኩሎም ዛዕባታት ዝተማለአን ሓበራዊ ርድኢትን ዝተበፅሐሉን ፅቡቕ መንፈስ ዝተፈጠረ መድረኽ ነይሩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
Office of the President-Tigray
