Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ብኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፎም ኤመስ በርገርን ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ደ/ር ማሪ ክሪስቲኒ ቱደር ፒሪኒ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ሕውየትን መሰረት ገይሮም ይዝትዩ ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኔዘርላንድስ፣ ጀርመንን እንግሊዝን ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ከምዝመስሉ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ብኣካል ተረኪቦም ዑደት ኣሳሊጦም እዮም።

ፕሬዚደንት ጌታቸው ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ንትግራይ ዝህብኦ ሓገዝ ከጠናክራ ከምዝግባእ ነቶም ኣምባሳደራት ዝገለፁሎም ኮይኖም ብትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታትን (UNDP PSF) ኣቢሎም ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ዝገብሮም ዘሎ ድገፋት ዝምስገኑ ዋላ እንተኾነ ግን ኣብ ትግራይ እቲ ኩናት ስዒቡ ዝበፀሐ ዕንወት ከቢድ ብምኳኑ ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኪሮም ክቅፅልሉ ፀዊዖም።

እቶም ኣምባሳደራት ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል ኢሎም ብኣካል ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ምዕዛቦም ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሊ ዝገብርዎ ደገፋት ከምዝቅፅልሉ ገሊፆም እዮም።

ካብ ናይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ስራሕቲ ብተወሳኪ ጉዳይ ተመዛበልቲን ካልኦት ህልዊ ኩነታት ትግራይ እውን ምስቶም ኣምባሳደራት ተዛትዮምሉ ።

ንግስቲ ክንፈ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *