ውሽጣዊ ዓቕምታትና ብዝግባእ ብምግንዛብ ብቅልጡፍ እንድሕነሉ መንገዲ ምንዳይ ሓላፍነት ኩሉ እዩ ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
ፕረዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ሎሚ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣመሓደርቲ ዞባ ፡ ወረዳ ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ፡ መሓውር ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳን ከተማታትን ዝተሳተፍሉን ኣብ ኣፈፃፅማ መደት ትሸዓተ ኣዋርሕን ቀፀልቲ ኣንፈታትን መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተዳለ ክልላዊ ዋዕላ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዩ ።
ስርዓቱ ሓልዩ ዝነበረ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ናብ ንቡር ንኽምለስ ጥንኩር መሪሕነትን ዓቕሚ ምትሕብባርን ክነዕቢ ይግባእ ዝበሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍላይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብቲ ሕዚ ዘለውሉ ኩነታት ንክወፅእን ዳግመ ሕውየት ንክረጋገፅን እዚ ዓውዲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናይ ምፍፃም ዓቕሙ ከዓቢ ኣተሓሳሲቦም ።
ኣብ ትግራይ ሕፅረት ሃፍቲ ተፈጥሮ የብልናን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ውሽጣዊ ዓቕምታትና ብዝግባእ ብምግንዛብን ብምጥቃምን ብቅልጡፍ እንድሕነሉ መንገዲ ምንዳይ ሓላፍነት ኩሉ እዩ ኢሎም ።
ኣብ ፅባሕ ኩናት ዝግበር ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ፈታኒ ሙኻኑ ንዝኾነ ኣካል ክኽወል ኣይክእልን ዝበሉ ፀብፃብ ሕሉፍ ስራሕቲ እቲ በዓል መዚ ዘቕረቡ ምክትል ሓላፊ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣይተ ወልደ ገብርኤል ኣፅበሃ ብግድኦም ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዝጠልቦ ርብርብ ከምዝግበር ኣረጋጊፆም ።
