Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ሓዱሽ ተመራፂ ከንቲባ ዴንቨር ማይክ ጆንስተንን ከንቲባ ነበር ዊሊንግቶን ዌብንን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተገሊፁ ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ከንቲባ ዲንቨር ማይክ ጆንስተን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እዋናዊ ክነታት ትግራይ ኣመልኪቱ መብርሂ ዝሃቡ ኮይኑ ርክብ ትግራይን ዴንቨርን ብዝያዳ ኣብ ዘዕሙቑ ጉዳያት ብስፍሓት ዘትዮም ኣለው።

ከባቢ 28 ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ኣሓት ከተማታት ኣኽሱምን ዴንቨርን ኣብ ዝጠናኸረሉ ዝዘተዩ ክልቲኦም ወገናት ብሓፈሻ ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ንምንጋፍ ኣብትገብሮ ፃዕሪ ማሕበረሰብ ዴንቨር ክህቦ ኣብ ዝኽእል ደገፋት ዘተኮረ ልዝብ እውን ኣካይዶም እዮም።

ኣተሓባባሪት ኮሚኒቲ ትግራይ ኣብ ዴንቨር ምልእተ ብርሃነ መስቀል ሓዊሱ ካልኦት ወገናትውን ዝተሳተፍሉ እዚ ርክባት ብዝያዳ ክዓሙቕ ከምዝግባእ ዝተገለፀ ኮይኑ ነቲ ምሕዝነት ክጠናኸርን ከምዚ ዝበለ መድረኻት ንክፍጠርን ትግራይ ኮሚኒቲ ኣብ ኮሎራዶ ዝገበርዎ ፃዕርን ምንቅስቓሳትን ናእዳ ቀሪቡሎም እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *