Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዝደነት ግ.ም.ት ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ።

ኣብ ትግራይን ኣብ መላእ ዓለምን እትነብር መላእ ተኸታሊ እምነት ክርስትና ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን እንቋዕ ንበዓል ፋሲካ ኣብፀሐኩም፣ ኣብፀሓና ክብል እፈቱ።።
ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ፋሲካ/ትንሳኤ እንትነኽብር፣ ኣብ ውሽጥን ደገን፣ኣብፎቖዶ መዕቖቢ ማእኸላትን ንዘሎ ዝተመዛበለ ህዝብና፣ ብድርቂ ዝተጠቕዐን ብሓፈሻ  ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከብ ህዝብና እናሓገዝና፣ ተኻፊልናን ተሓባቢርናን፣ ብሰላም፣ ብፍቕርን ሓድነትን ክነሕልፎ ይግባእ።
በዓል ፋሲካ እንትዝክር ከም ህዝቢ ካብቲ ኩለመዳይ ፅንተት፣ ዕንወትን ሃሰያን ወፂእና፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ወፂኡ፣ ሉኣላውነት ትግራይ ተረጋጊፁ፣ ኹለመዳይ ጉዕዞ ሕውየት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ዕብየትን ብሓዱሽ መንፈስን ብሓድነትን እነሳልጠሉን ንእንብርኸሉን በዓል ትንሳኤ ክኾነልና ሰናይ ትምኒተይ ክገልፅ እፈቱ።

ከም ህዝቢ ሰናይ ድልየትናን ባህግናን ክሰምር እንተኾይኑ፣ ንሰላም ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ብዋጋ  ዕዳጋ ዝግመት ከምዘይኮነ ምስትምቓር ግድን እዩ። በቲ ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ከዓ ዛጊድ ፍረታት ሰላም ክንቋደስ ከምዘኽኣለና ምርዳእ ኣድላዪ እዩ። እዚ ሰላም ዘጨብጠና ረብሓ መዳርግቲ ዘይብሉ ከምዝኾነ ኩሉ፣ ሰላም ምስኣን ድማ ዘስዕቦ ኪሳራ ዙርያ መለሽ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ድማ መብዛሕትኦም ንህልዉናና ዝፃብኡ ነገራት ስለዘቕሪ ብቕጥዑን ብሚዛኑን ዋጋ ሰላም ምፍላጥ፣ ምስልሳልን ምርዳእን ኣገዳሲ እዩ።

ንሕና ተጋሩ ዋጋ ሰላም ክንፈልጥ ሰላም ክንስእን ግድን ኣይኮነን። ኣብ መዋእልና ሰላም ስኢንና እንታይ እናኾንና ከምዝመፃእና ናይ ቀረባ ታሪክና ምስክር እዩ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ትርጉም ሰላም ከምህር ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ርሑቕ ከይከድና ናብ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ንምብፃሕ ዝተኸፍለ ዋጋ ምዝካር ጥራሕ እኹል እዩ። ውሑስን ነባርን ሰላም ምርግጋፅን ብሓፈሻ ሓርነት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ምንጋስን ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን እዩ። ካብ ዉግእ ዝኸስብ ዋላ ሓደ የለን። ሰላም ሰፊኑ ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እንትነግስ ጥራሕ እውን እዩ ምልኣተ-ህዝብናን መላእ ሃገርን ድሕንነቶምን ረብሓኦምን ተዓቁቡ ውሑስና ዝረጋገፅ ።

ስለዝኾ ንመላእ ተከተልቲ እምነት ክርስትና ናይ ሰላም፣ ፍቕርን ምትሕልላይን በዓል ትንሳኤ ክኸውን ደጊመ ሰናይ ትምኒተይ እናገለፅኩ፣ ኣብ ዝኾነ ብርኪ መሪሕነት እትርከቡ ኣካላት ድማ፣ ኩሎም ውልቃዊ ድልየታትና ትሕቲ ህልውና፣ ሓድነትን ረብሓን ህዝብና ሰሪዕና፣ ናይ ህዝብና ናይ ህላወ፣ ሰላም፣ ምዕባለን ልምዓትን ባህጊን ጠለብን ኣብ ምግሃድን ንወለዶታት ዝቕፅል ታሪኽ ኣብ ምስራሕን ክንረባረብን ትንሳኤ ትግራይ ክነግህድን ይፅውዕ::

ሰናይ በዓል ፋሲካ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *