ፕረዝደት ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናትን ግድ ሚድያን ኣመልኪቶም ኣብ ኬንያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ዋዕላ መራሕቲ ሚድያ ኣፍሪካ ዘቕረብዎ መበገሲ ሓሳብ ኣድሂቡ ምይይጥ ይካየድ ኣሎ።
እብቲ ዓመታዊ ዋዕላ ልዕሊ 300 ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተወከሉ ኣመራርሓ ሚድያታት ፡ ተወከልቲ መንግስታትን ሙሁራት እቲ ዓውዲ ዝተረኸብሉ እዩ ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብሚድያ ኣቢሉ ብዝተነዝሑ ዝተዛብዑን ግጉያት ሓበሬታን ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ተግባራት ፅንተታዊ ኩናትን ግደ ሚድያን ዝምልከት መማያየጢ ሓሳባት ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ኦል ኣፍሪካን መራሕቲ ሚድያታት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብፍላይ ድማ ቅድመን ኣብ እዋን እቲ ኩነታት ኣብ ሚድያ ዝውዝዑ ዝተዛብዓን ግጉያት ሓበሬታን ኣብ ዝተፈፀመ ፅንተት ዝነበሮም ግደን ብስፍሓት መብርሂ ከምዝሃቡ allafrican news ይሕብር።
ከምኡ ድማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ክግበር ኣብ ዝግብኦም ጉዳያት ሰፊሕ መበገሲ መማያይጢ ነጥቢ ዘቕረቡ ፕረዝደንት ጌታቸው ግደ ሚድያ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሰላምን ክህልዎ ኣብ ዝግባእ ኣውን መብርሂ ምሃቦም ክብል እቲ ፀብፃብ የመላኽት ።
