ፕረዚደንት ፑቲን በቲ ኣብ ሃገሮም ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረፃ ሩስያ ንሓምሻይ ግዘ ክመርሑ ከምዝተመረፁ ዕላዊ ገይሮም።
ፕረዚደነት ፑቲን ንዲሞክራሲ ምዕራባዉያን ብምንእኣስ ነቲ መረፃ ካብ ምዕራባዉያን ዲሞክራሲ ብዝበለፀ ብግልፅነት ዝተሻየደ ምንባሩ ዝገለፁ እንትኾን በዚ መረፃ ድማ ነታ ሃገር ንሓምሻይ ግዘ ክመርሕዋ ድምፂ ምርካቦም ኣፍሊጦም።
ድምፂ ካብ ዝተዉሃበ ሓፈሻዊ ዉፅኢት 87 ሚእታዊ ንፕረዚደንት ፑቲን ከምዝተዉሃበ ኣፈፃሚ እቲ መረፃ ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ እዮም ፕረዚደንት ፑቲን ሃገራም ዘካየደቶ መረፃ ካብ ምዕራባዉያን ዲሞክራሲ ብላዕሊ ክብሉ ኣወዲሶምዎ ዘለዉ።
እቶም ፕረዚደነት ዋላካ እዚ እንተበሉ ኣብዚ መረፃ ትኽክለኛ ተነሓናሒ ዉድብ ከምዘይተሳተፈን ደገፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሂዎቱ ዝሓለፈ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ እዋን እቲ መረፃ ተቓዉሞ ሰልፊ ብምክያዶም ካብዚኦም እቶም 80 ሩስያዉያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምዉዓሎምን እዩ ዝግለፅ ዘሎ።
ክሳብ ሕዚ ከም ጀርመንን ዩናይትድ ኪንግደምን ዝበላ ሃገራት እቲ መረፃ ነፃን ዘይሻራዉን ከምዘይኮነ እየን ገሊፀን ዘለዋ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።
