Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብማተሰኣ ኣብ ዝተዳለወ ፌስትቫል ይሳተፉ ኣለው።

ኣብቲ ፌስትቫል ንምስታፍ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ዝተዓደሙ እንትኮኑ ቪዛ ኣሜሪካ ብዘይምርካቦም እቲ ማሕበር ዘዳለዎ ፌስትቫል ኣይተረከቡን። ሓደ ሓደ ወገናት ኣብ ዘዛራረብናዮም እቲ ፌስትቫል ናይ ማሕበር ተጋሩ ሴሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) እምበር ናይ መላእ ትግራዋይ ኣይኮነን ይብሉ። ስለምንታይሲ ኣብቲ ፌስትቫል  ተነሓናሒ ፖለቲካ ውድባት ይኩን ነፃ ሲቪል ማሕበራት  ብኣካል ይኩን ቪርቹዋል ክሳተፋ አይተዓደማን ይብሉ።  

ማተሰኣ ብሰም ተጋሩ ዘዳለዎ ፌስትቫል ኣብ ውሑድ ጉጅለ ዝተሓፀረ ፌስትቫል ብምኳኑ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ተጋሩ ዘጉትምን   ናይ ሓደ ውድብ መሳርሒ ከምዝኮነ መርኣያ  እዩ ክብሉ ወሲኮም ገሊፆም።  

ሳይቨር ፖወር ትግራይ  ን ማተሰአ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም መብርሂ/መልሲ ኣዘራሪቡ ኣብ ቀፃሊ ክቅርብ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *