Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ መበል 49 ዓመት ዝክሪ 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ሰናይ ትምኒቶም ኣሕሊፎም

” ህዝቢ ንምጥፋእ እቲ ፈላማይ ስጉምቲ ዝኽርታቱ ሓኺኽካ፣: መፃሕፍቱ፣ ባህሉ፣ ኮታስ ታሪኹ ኣጥፊእኻ፣ ሓድሽ ባህልን ታሪኽን ምፍብራክ እዩ። ብዙሕ ከይፀንሐ ህዝቢ ዝነበሮን ዘለዎን ምርሳዕ ይጅምር። ወድ ሰብ ምስ ስልጣን ዝገብሮ ቃልሲ ዝኽሪ ንዘይምርሳዕ እዩ ” ክብሉ ፕረዚደንት ጌታቸዉ ረዳ ንኣበሃህላ ፍሉጥ ደራሲ ሚላን ኩንድራ ብምዉካስ ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ፅሒፎም።

ባህልና :ታሪክና ኮታስ ዝክርታትና ክንዕቅብ እዉን ኣብ መልእክቶም ኣመልኪቶም።

ድምቀት ን 11 ለካቲት! ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና! ክብሉ እዉን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ መልእክቶም ኣሕሊፎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *