★እዚ በዓል መስቀል እነኽብሮ ዘለና ናብዚ መድረኽ ዘብፅሑና ሰማእታትና ንክብሮም ብዝምጥን መንገዲ መርድእ ኣርዲእና ብመስዋእቶም ሓዚና ግን ድማ በቲ ዘምፅእዎ ሰላም ቀፃሊ እውን ናይ ትግራይ ህልውና ውሑስ ኣብ ምግባር በዝኸፈልዎ መስዋእትነት እናተሓበንና መርድእ ብስሩዕ ዕላዊ ንምግባር ኣብ እንሸባሰበሉ ኮይንና ኢና ነብዕሎ ዘለና።
★ ካብ ቐፃሊ ሰሙን ጀሚሩ ሰማእታትና በክብሪ እናፍልጠሉ፣ዝግበኦም ክብሪ እንህበሉ ክንጅምር ኢና
★ ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ ኢሉ ዝኸፈሉ ዓበይ መስዋእተነት ብብግዚኡ ዝዝከር እዩ።
★ ዝተፈናቐሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ዝስረሐሉ፣ እዚ ሰላም ንምምፃእ ኣሻሓት ኣከሎምን ሂወቶምን ገቢሮም እዮም ብምኻኑ ድማ ዝተረኸበ ሃዋህው ሰላም ክዓሙቕ ይግባእ።
★ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተወደበ ሓይሊ ሒዝና ናይ እምነት፣ፓለቲካ ኣፈላላይ ከይሓለኸና ምንቅስቓስ ይግባእ።
★ ትግራይ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጥራይ ህልውናኣ ከምእተረጋግፅ ፣በዘረጋግፀልና መንገዲ፣ብዝምስክረልና መንገዲ ንክንሰርሖ ፃውዒት የቕርብ ።
★ ሰላምና እናሰፈሐ፣ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም እንምለሰሉ፣ ነፃ ዘይወፅኣ ህዝብና መሊኡ ነፃ ዝወፅኣሉ ስራሕቲ እናወገና እነብዕሎ ዘሎ በዓል ምኻኑ ገሊፆም።
★ በዓል ኣብ እነኽብረሉ እዋን ኣብ መከራን ሽግርን ዘለዎ ወገናትና ኣይንረስዕ።
★ ናይ ፅባሕ ትግራይ፣ ልምዕቲ፣ ዝተረጋገዐት፣ህልውናኣ መሊኣ ዘረጋገፀት ንምግባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኩልና እጃምና ከነበርክት ይግባእ ኢሎም።
★ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ክስርሑ ዝግቦኦም ስራሕቲ ክስርሑ፣በፍላይ ዘለና ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክዓብይ ኩሉዓይነት ምንቅስቓስ ንገብር ኢና።
★ ኣብ ክብርናን መንነትናን ዘይንዋገ ስለዝኾና ዋና ዓቕምና ንሱ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።
