ኣብ ህልው ኩነታት ተመዛበልትን ሰብኣዊ ሓገዝን፣ ምዕባለ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዝተመዛበለ ህዝቢ ብቕልጡፍ ናብ መረበቱ ብዛዕባ ዝምለሰሉ ኣግባብን ኣድሂቦም ውፅእታዊ ኣካይዶም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ እውን ንተግባራውነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ጻዕሪ ክትገብር ጸዊዖም።
ኣምባሳደር ዳረን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን እውን ኣተሓሳሲቦም።
ክልቲኦም ወገናት ድማ ንኢትዮጵያ ብዓበዩ ድማ ንትግራይ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ድሕሪ ምቁራጹ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ስክፍታኦም ኣልዒሎም ዘትዮምሉ ኢዮም።
ኣብቲ ዘተ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ማሕበራዊ ጉዳይን ፕ/ር ክንደያ ገ/ሂወትን ሓላፊ ቺፍ ካቢነ ሴክሬታሪያት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ተረኺቦም እዮም።
እቲ ልኡኽ ኣካል ናይቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ንምድጋፍ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ንኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋጽን ምኽባርን ሕብረት ኤውሮጳ ንምእዋጅ’ውን ኣብ መቐለ ይርከብ።
