ኣብ ዘትኦም ድማ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ሳዕቤናቱን ፣መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዝተርኣየ ስርቅን ዘይእርኑብ ተግባርን ንምፅራይ ዝወሰዶ ተበግሶ፣ ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዝተረኸቡ ርካቦታትን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ኣካላት ዝተወሰደ ስጉምትን ብቐፃሊ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታትን መብርሂ ተዋሂብሉ።
ትግራይ ኣብ ምፅራይ ምጥፍፋአ ረድኤት ዝኸደቶ ርሕቐትን ኣብ ትግራይ ንስርቅን ቀንጠብጠብን ከምዘይትፃወርን ዘረጋገፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፣ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዕደላ ህፁፅ ሓገዝ ምቁራፁን ዛጊድ እዉን ዘይምጅማሩ ሕሰምን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ የጋድድ ከምዘሎን ሂወት ሚሊዮናት ንምድሓን ነቲ ዝተቛረፀ ቀረብ ሓገዝ ብቕልጡፍ ዳግም ኣብ ዝጅመረሉ ኩነታትን ተመያይጦም።
ትካል መግቢ ዓለም ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ከይድገም ኣብ ምምማይ ተሓገዝቲ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብቐጥታ ባዕሉ ክመርሖን ዲጂታላይዝ ንምግባር ትልሚ ከምዘልዎን ብቲ ትካል ዝቐረበ ኮይኑ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ሕዚዉን ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዖ ኣብ ዝኸፍአ መከራ ዝርከብን ህፁፅ ሓገዝ ዝጠልብን ህዝቢ ብቕልጡፍ ሓገዝ ክረክብ ዘቀላጥፍ ኣሰራርሓ ክተኣታተው ከም ዘተባብዕ እዉን ኣብ ዘተኦም ዝተልዓለ ጉዳይ እዩ።
ትካል መግቢ ዓለም ዝሓሸ ዝብሎ ኣሰራርሓ እንተታኣታትው ደገፍ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይፍለዮ ዘረጋገፁ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ፣ ይኹን’ ምበር ተቛሪፁ ዝፀንሐ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክጅምርን ነቲ ስራሕቲ ከቀላጥፍ ብዘኸል ኣገባብ ክፍፀም ይግባአ ኢሎም ።
ድወት
