ፕረዚደንት ጌታቸው; ድሕሪ ኲናት ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ፣ ምኽባር ሉኣላዊነት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ሰብኣዊ ሓገዝን ብሓፈሻ ትግባረ እማመ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝርዝር መብርሂ ዝሃቡ እትኾን፣ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ መንግስቶም ኣብ ግዘ ኩናት ትግራይ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ገፆም ናብ ትግራይ ክገብሩ ከምዝሕግዙ ቃል ኣትዮም እዮም፡፡
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ህልው ኩነታት ትግራይ ከምዝተዓዘበ ዝገለፀ እንትኾን መንግስቲ ኔዘርላንድስ ኣብ ቀይሕ መስቀል ዓለም/ICRC/ ናይ ኣምበሳ በፅሒት ስለዘለዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምዕዛብን ብዋናነት ድማ ኣብ ትግራይ ዘሳልጦምን ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ሕርሻን ሆልቲ ካልቸርንን ምርኣይ መበገሲ እቲ ዑደት ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡
07 ሕዳር 2016 ዓ/ም
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
Office of the President-Tigray.

