Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ጀኔቫ ኣማኻሪ IOM ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዘተ ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ጀኔቫ ካታሪን ስተች ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ሎሚ 29 ጥሪ 2016 ዓ/ም ተቐቢሎም ኣብ ተግባራዊነት ዉእሊ ፕሪቶሪያን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳያትን ዘትዮም ።

ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ሓሲቦም ብምምፀኦም ከም ጉጅለ ዘመስገኑ ፕረዚደንት ጌታቸው ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈጠሮ ጭላንጭል ሰላም ከምዘሎ ኮይኑ ወረርቲ ሓይልታት ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ብዘይምውፅኡ ሉኣላዊነት ግዝኣት ትግራይ ዛጊድ ውሑስ ከምዘይኮነን ወረርቲ ካብ ግዝኣት ትግራይ ከየውፃእካን ምምሕዳር ትግራይ ናብ ንቡር ከይመለስካን ድማ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ ማለትን ምክያድ ሪፈረንደምን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ግልፂ ገይሮም እዮም፡፡

ስሩዕ መነባብሮ ክመርሕ ዘይከኣለ ብሚልዮን ዝቑፀር ተመዛባሊን ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ወራርን ጄኖሳይዳዊ ኲናትን ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ምስቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ተደሚሩ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘሎ ብምዝኽኻር ካብቲ ፀገም ክወፅእ ትካላት ስደተኛታት ዓለም ኣፅንኦት ሂቡ ክሰርሓሉ ዝሓተቱ እንትኾን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቅን ጥምየትን ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ከምዘሎን ብሰንኪ እዙይ ኣብ ህዝብና ሓደጋ ሞት የጋጥም ስለዘሎ ጀርመን ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡኡ ንኽዋፃእ ፀዊዖም እዮም ፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዝተገበረሉ ኣቀባብላን ንዝተወሃቦ ዝርዝር መብርህን ብምምስጋን ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ፀበባ ንምድሓን ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ምስ ህዝብን መንግስትን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *