Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ መዚ መንግሰቲ ኣሜሪካ ዕውት ዘተ ከምዘሳለጡ ገሊፆም

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ብሓፈሻ፣ ኣብ ምጅማር ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ትግበራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ኣብ ምርግጋፅ ስግግር ፍትሒ ብፍላይ ጠሚቶም ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶም ኣብ ገፅ ትዊተሮም ገሊፆም ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ሴናተር ኒውጀርሲ ኮሪ ቡከር ብዛዕበ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤት ዳግም ንምጅማር ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ፃዕሪ ምሕያል ከምዘድሊ’ውን ኣብ ምርድዳእ በፂሖም እዮም ፡፡

ብኻልእ ወገን ምስ ተሓባባሪት ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ምስ ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ክፍሊ ሓፈሻ ዓለማዊ ገበናዊ ፍትሒ ኣምባሳደር ቤት ቫን ሻክን ኣብ ዙርያ ትግበራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ፣ ብዛዕባ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ምጅማርን ዛጊድ ዘስዓቦ ከቢድ ፀገማትን፣ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ፡ ጉዳይ ተሓታትነት ፣ ኣብ ምርግጋፅ ስግግር ፍትሒ ኣድሂቦም ከምዝዘተዩ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ዝወዝዕዎ ሓበሬታ ገሊፆም ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣስዒቦም፣ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኽጋገፅ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብመንፈስ ሰላምን ምርግጋእን ጥቡቕ ምትሕብባር ከም እንገብር ተወፋይነት ደጊምና ኣረጋግፅና ኣለና ድማ ኢሎም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *