ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ሓላፊ UN OCHA ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ቦንይ ማፓካ (Mr Bony Mpaka )ሎሚ 2 ጥሪ 2016 ዓ/ ም ኣብ ኣጠቓላሊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኩነታት ልምዓትን ኣመልኪቶም ዘተ ኣካይዶም።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ብምምፀኦም ከም ጉጅለ ዘመስገኑ ፕረዚደንት ጌታቸው፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈጠሮ ጭላንጭል ሰላም ከምዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎን ሉኣላዊነት ግዝኣት ትግራይ ክረጋገፅን ከምዘይከኣለ ገሊፆም።
ኣተሓሒዞም ፕረዚደንት ጌታቸው፣ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ መነባብርኡ ክመርሕ ዝግበኦ ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ናብ መረበቱ ብዘይምምላሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቅን ጥምየትን ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድን ህዝብና ንሞት ይሳጣሕን ስለዘሎ ሓገዝ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ክጠናኸር ፀዊዖም ፡፡
እቲ ጉጀለ ልኡኽ ንዝተገበረሉ ኣቀባብላን ንዝተወሃቦ ዝርዝር መብርህን ብምምስጋን ትግራይ መሊስካ ምሕዋይን ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ዓፀቦ ኣብ ምቅናስን እግሪ ኣብ ምትካልን ምስ ህዝብን መንግስትን ሓቢሮም ከምዝሰርሕን ገሊፁ ፡፡
ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዲግራት ብምኻድ ምስ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራትን ምስ ከባቢያዊ ተወከልቲ ህዝብን ከምዝተራኸበን ብተመሳሳሊ ኣብ መቐለ እውን ምስ ተመዛበልትን መራሕቲ እቲ ማእከልን ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ብምርኻብ ዑደት ከምዝገብሩን ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምዝራኸብን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።
