Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሃገራት ዓባይ ብሪታንያን ጣልያንን ኣብ ዙርያ መለሽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክፃወታ ፀዊዖም።

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝሓበሩ ምስ ኣምባሳደራት ዓባይ ብሪታንያን ጣልያንን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ኢዩ።

ብኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ 18 ጉንበት 2015 ዓ/ም ምስ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዙርያ ዛዕባታት ከይዲ ህንፀት ሰላም፣ ምርግጋጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ካልኦት እዋናዊ ዛዕባታትን ኣድማዒ ምይይጥ ዘካየዱ ኮይኖም፣ መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀንትን ትግራይ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ብተዛማዲ ድማ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓለሰ እውን ኣብ ተመሳሰልቲ ዛዕባታት ሎሚ 18 ጉንበት 2015 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘትዮም።

ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓለሰ ብወገኖም፣ ሃገሮም ጣልያን፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ከም እትድግፍ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ፣ ሃገራት ኢንግልዝን ጣልያንን ኣብ ዙርያ መለሽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክፃወታ ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ትግራይ ሓቢሩ።



ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *