ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ን 27-28 ሓምለ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ፡ ሎሚ ንግሆ ናብታ ሃገር ኣምሪሑ፡ ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብ30 ግንቦት፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ናብ ሩስያ ኣቕኒዑ ንጽባሒቱ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።
ኣብ ርክቦም፡ ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ’ዚ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ዕድመ ኣቕሪቡሉ ነይሩ እዩ።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ብ16 ሓምለ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ንስፑትኒክ ማዕከን ዜና ሩስያ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ዕድመ ተቐቢሉ ናብ ሩስያ ክመጽእ መዲብ ሒዙ ከምዝነበረ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
በዚ መሰረት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ተሰንዩ ናብታ ሃገር ኣቕኒዑ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።
ብዙሓት መራሕቲ ኣብ ዝርከቡሉ ዞባዊ፡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ኣጋጣሚታት ብዙሕ ዘይሳተፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ዋዕላ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ክራኸብ ከኽእሎ እዩ።
ኣብቲ፡ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ብሓሙስ 13 ሓምለ 2023 ኣብ ካይሮ ዝተጋብአ ዋዕላ ጐረባብቲ ሱዳን፡ ዝተሳተፈ እቲ ፕረዚደንት፡ ብቐንዱ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ መራሒ ቻድ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃገራትን ካልኦት ሰበስልጣናትን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።
ኣብቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝሳተፈሉ ኣኼባ፡ ጉዳያት ንግዲ ኣጽዋር፡ ጸጥታ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብዓቢኡ ኸኣ፡ ኣብ ጉዳይቲ ኣሰካፊ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ቀረብ እኽሊ ክመያየጡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ሩስያ፡ ካብቲ ንሰደድ እኽሊ ዩክረይን ውሕስነት ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዝህብ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝሰሓበት ዝዝከር ኰይኑ፤ ካብዚ ሰደድ እኽሊ ‘ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ተረባሕቲ ኣይኰናን’ ዝብል ከም ምኽንያት ካብ ዘቕረበቶ ቀንዲ ዛዕባ እዩ።
እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ንዝወረዳ ዘሎ ጸቕጢ ንምምካት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድና ከተሰልፍ ትጽዕር ዘላ ሩስያ፡ ካብቲ ስምምዕ ሰደድ እኽሊ ምስ ወጸት ንሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ወይ ብኣዝዩ ትሑት ዋጋ እኽሊ ከተቕርብ ከምእትኽእል ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
