Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፓኪስታን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ካሃን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዝነበረ ኢምራን ካሃን ምስ ብልሽውና ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ፖለቲከኛ፡ ብዝቐረበሉ ክስታት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኢስላማባድ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን’ዩ፡ ሃንደበት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ተወሲዱ።

ንሱ ግን፡ ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ’ዩ ብምባል ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።

ሓደ ነቲ ፍጻሜ ዝገልጽ ቪድዮ፡ ብድሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ሒዞሞ ክምርቀፉ የርኢ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ካሃን፡ ብቕልጡፍ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ’ዩ ክጽውዕ ጸኒሑ።

ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ፑንጃብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፖለቲከኛ ናይ “ብልሽውናን ብልሽው ተግባራትን” ክሲታት ስለዝቐረበሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ክሲ ኢምራን ክሃንን ብዓልቲቤቱን ዝውንንዎ ናይ ሕድሪ ትካል ቃጽኦ መሬት ወሲዱ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ካሃን ዝጠሓሶ ሕጊ ከምዘየለ’ዩ ዝምጉት።

ቅድሚ ናብ ኢስላማባድ ምእታዉ ንደገፍቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ከጋጥሞ ንዝኽእል ነገራት ድሉው ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ፍቓድ ረኺብኩም ምጹኒ፡ ጠበቓታተይ ኣብኡ ክህልዉ’ዮም. . . ክትኣስሩኒ እንተደሊኹም፡ ድሉው’የ” ክብል ኣብቲ በቲ ባዕሉ ዝመርሖ ሰልፊ ፓኪስታን ተህሪክ-ኢን-ኢንሳፍ (PTI) ዝተዘርገ ቪድዮ ገሊጹ።

እቲ ሰልፊ ደገፍቱ ኩሎም ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ንማእሰርቱ ክቃወሙ ጸዊዑ’ሎ። ድሮ’ውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ላሆርን ፐሽዋርን ተቓውሞታት ከምዝተራእየ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰከተማ ኢስላማባድ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ተሪር ጸጥታዊ ሓለዋ ተራእዩ ነይሩ።

ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ብዓርተታት ዝቑጸር ክስታት ብልሽውናን ሽበራን ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብቲ ኣብ ላሆር ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብምኻድ ክኣስርዎ ሓየለ ፈተነታት’ኳ እንተገበሩ፡ ደገፍቱ ስለዝተኸላኸልሉ ግን ክሕዝዎ ኣይክኣሉን ነይሮም።

ምንጭ፡ ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *