ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም።
ኣብ ሩሲያ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ኪም ጆንግ ኡን፥ ሃገሮም ብወተሃደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዋ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ኣሳሊጦም።
ፕሬዚዳንት ፑቲን፥ ሞስኮ ደገፋት ሳተላይትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ንፕዮንግያንግ ንምብርካት ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
ሰሜን ኮሪያ ብግደኣ፥ ሩሲያ ምስ ዩክሬን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ዝኸውን ኣፅዋራት ኲናት ንሞስኮ ክትህብ
ከምእትኽእል ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
