Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፑቲን፡ ሩስያ ነቲ ካብ ዩክሬን ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ እኽሊ ክትክኦ ከምእትኽእል ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ካብ ዩክሬን ናብ ኣፍሪቃ እትልእኽ እኽሊ ክትክኦ ከምእትኽእል ኣፍሊጦም።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ ሩስያ ካብ ዩክሬን ናብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ እኽሊ ብውሑስ መንገዲ ንምስግጋር ካብ ዝተበጽሐቶ ስምምዕ ከምዝወጸት ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

ብመሰረት ክረምሊን ዘውጽኦ መግለጺ ሃገሩ እኽሊ ናብ ኣፍሪቃ ብነጻ ናይ ምጉዕዓዝ ዓቕሚ ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ፡ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣቕራቢት ስርናይ ኮይና፡ 10.8 ሚልዮን ቶን ስርናይ ሰዲዳ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ዩክሬን ናብታ ኣህጉር ዝለኣኽ መጠን ስርናይ 6.3 ሚልዮን ቶን ነይሩ።

ሩስያ ኣብ መፋርቕ 2023 ኣስታት 10 ሚልዮን እኽሊ ናብ ኣፍሪቃ ክትሰድድ ከምእትኽእል ገሊጹ።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳን ኣብ ቀረብ ፍርያት ናብ ዝማዕበላ ሃገራት ኣዝዩ ዝጎድእን ምዃኑ ገሊጹ።

እቶም ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ፣ ሓደጋ ጥሜት ንምንካይን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝን ዝዓለመ “ውዕል እኽሊ” ብውሑስ መንገዲ ኣዘራሪቦም።

ሩስያ ነዚ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ሓላፍነታ ትፍጽም ከምዘላ ገሊጹ።

“እንተኾነ ግና ብተደጋጋሚ ምዕራባውያን ሃገራት ንኣፍሪቃ ዝጠቅም መግለፂ ፅቡቕ ባህሪ ተባሂሉ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ ከምቲ ዝተባህለ ዘይኮነስ ብዋጋ ዩክሬን ንግዲ ብምስራሕ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ጁባአን ኣስቢሐን እየን።” ,” ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ብድምር 32.8 ሚልዮን ቶን እኽሊ ካብ ዩክሬን ናብ ወጻኢ ክለኣኽ ዝኽእል ኮይኑ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብኡ ግን ንሕብረት ኤውሮጳ ሓዊሱ ልዑልን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ይሽየጥ።

ከም ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ የመንን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት በዚ ስምምዕ ብ3 ሚኢታዊ ዝወሓደ ምህርቲ ከምዝረኸባ ገሊፆም።

ሩስያ ኣብዚ ዓመት ልዑል ምህርቲ ትፅቢት ከምዘለዋ ገሊፆም። ብተወሳኺ እታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ከተአንግድ ምዃና ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ ምዝዛም ስምምዕ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ ብዝምልከት፡ ኣባላቱ ሃገራቱ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ መግቢ ዝተጸልዋ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ተስፋ ከምዝቖረጸ ገሊጹ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ሩስያ ቀጠርን ቱርኪን ብዝሳተፍዎ ውጥን ኣቢላ እኽሊ ንምቕራብ ትደፍእ ኣላ፡ እንተኾነ ግን እተን ሃገራት ተቐቢለንኦ ድየን ኣይቅበልኦን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *