ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃንን ኣብ ክሊ ምሕዳስ ስምምዕነት እኽሊ ዩክሬን ዘቲዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ የካቲት ኣብ እዋን ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ውሕመ ፍሪያታት እኽሊ ካብ ዩክሬን ናብ ዕዳጋ ዓለም ብፀሊም ባሕሪ ኣቢሉ ንምብፃሕን ቅልውላው ቀረብ እኽሊ ዓለም ንምቅላልን ዝዓለመ ስምምዕነት ምግባሩ ይፍለጥ።
ይኹን እንበር ሩሲያ ነቲ ስምምዕነት ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣቋሪፃቶ ኢያ።
ስለዝኾነ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃንን ኣብ ክሊ ምሕዳስ ስምምዕነት እኽሊ ዩክሬን ዘቲዮም።
ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን፥ ዓለም ነቲ እኽሊ ዘጎዓዕዘሉ ኮሪደር ጠመተ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።
ፕሬዚዳንት ሩሲያ በግደኦም፥ ኣብቲ ዛዕባ ንምድርዳር ድልዊ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
