★ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳለጥ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዝሳለጥ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ፡፡
ኣፍቲ ፅባሕ ዝካየድ ገምጋማዊ መድረኽ ዘተ ብመሰረት ኣብ ቀዳማይ ዙር ክሳለጡ ብውጥን ዝተትሓዙን ኣፈፃፅምኡን ኣብ ናይ ፅባሕ ብደቂቑ ኽግምገም’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዘፍለጠን ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣፍቲ ዘተ ከምዝሳተፉን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ቅነ ምግላፁ ይዝከር ።
★እስራኤል ኣማሓዳሪ ጋዛ ከምዝቐተለቶ ተገሊፁ።
እስራኤል ብዘካየደቶ ከቢድ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ላዕላዋይ መራሒ ሃማስ ተቐቲሉ።
ኢሃብ ኣልሁሴን ዝተብሃሉ ኣማሓዳሪ ከከተማ ጋዛ እስራኤል ሆሊ ፊሊ ኣብ ዝተበሃለ ቤት ትምህርቲ ብዝፈፀመቶ መጥቃዐቲ ካብ ዘወሞቱ ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እስራኤል ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመት ኣሸበርቲ ትሓቢኦም ሽርሒ እናዘተዩ እዮም በዝብል እዩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ግን ብርክት ዝበሉ ንፁሃን ሰባት ዘዕቖቡሉ ምኻኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ነበር ምክትል ሚነፀስቴር ሰራሕተኛታት ኢሃብ ኣልሁሴን ቅትለት ኣብ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ሃማስ ተፅዕኖ ከምዝፈጥር ድማ ተገሊፁ ኣሎ
9 ወርሒ ዘቑፀረ ኩናት እሰራኤልን ጋዛን እስራኤል ብርክት ዝበሉ ኣመራርሓ ቀትላ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስቴር ቤንጃሚን ኔታንያሁ እስራኤል ኣብ ጋዛ ሽቶኣ ክሳብ ትወቅዕ ዝፈቅድ ተቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ምሃብ ስቓይ ፍልስጤናማውያን ከምዝቕፅል ኣመላኺቱ።
ሪኢቶ ኔታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኳታር ዝተጀመረ ኣብዚ ቅነ ውን ክቕፅል እዩ ዝተብሃለሉ ድርድር ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘህልዎ ይግመት።
ኣብ ሽዱሽተ ምዕራፍ ዝተኸፈለ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ከምዝቕበል ሃማስ ዝገለፀ እንትኾን ምላሽ እስራኤል እናተፀበየ ምዃኑ ገሊፁ።
★ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ሞስኮ ናብ ዩክሬን ሰራዊት ድሕሪ ምልኣኽ ንፈለማ እዋን ኣብ ሩስያ ኣትዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ሶኑይ ናብ ሞስኮ ኣትዩ።
እዚ ድማ ሩስያ ናብ ዩክሬን ሰራዊት ካብ እትልእኽ ንደሓር ንፈለማ እዋን’ዩ – እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ መንጎ እተን ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ዝነበራ ሃገራት ዝተሓላለኸን ንሩስያ ናብታ መወዳድርታ ህንዲ ዝኾነት ቻይና ክትቀርብን ዝደፍኣን’ዩ።
ሞዲ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድራር ክበልዕ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ፡ ድሕሪኡ ድማ ትማሊ ሰሉስ ዝርርብ ክረምሊን ክካየድ እዩ። ሞዲ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ሩስያ ዝተጓዕዘሉ ዓመት 2019 ከም ኣቆጻፅራ ኣሮውሮፓ ኣብ ርሑቕ ምብራቓዊ ወደብ ቭላድቮስቶክ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ተሳቲፉ ምስ ፑቲን ተራኺቡ ነይሩ። እቶም መራሕቲ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ኡዝቤኪስታን እውን ተራኺቦም፣ ኣብ ዋዕላ ውድብ ምትሕግጋዝ ሻንጋይ ብሎክ።
ሩስያ ካብ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ምስ ህንዲ ጽኑዕ ርክብ ነይርዋ፡ ክረምሊን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ዩክሬን ሰራዊት ካብ ዝለኣኽ ንደሓር ድማ ኣገዳስነት ኒውደልሂ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ እናዓበየ መጺኡ፡ ሃገራትን መሻርኽታን ንመብዛሕትአን ዕዳጋታት ምዕራባውያን ንሰደድ ሩስያ ሰለዝዓጸዋ። ህንዲ ሕጂ ልዕሊ 40% ካብ እቶት ነዳዲ ካብ ሩስያ ከም እትረኽቦ ተንተንቲ ይሕብሩ።
ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሞዲ፡ ህንዲ ንወተሃደራዊ ስጉምቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ካብ ምኹናን ብምቑጣብ፡ ኣድላይነት ሰላማዊ ምፍታሕ ኣስሚራ እያ።
ኣብ መንጎ ሞስኮን ኒውደልሂን ዘሎ ሽርክነት ግን ሩስያ ናብ ቻይና እናቐረበት ምስ ከደት ጽዑቕ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ቻታም ሃውስ ላዕለዋይ ተመራማሪ ደቡብ ኤስያ ቺቲግጅ ባጅፓይ፡ ህንዲ ካብቶም ሩስያን ቻይናን ልዑል ተራ ዝጻወታሉ መድረኻት እናተፈልየት ትኸይድ ከምዘላ ገሊጹ።
“እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህንዲ ብተዛማዲ ትሑት ቁመት ዘለዎ ፕረዚደንትነት ውድብ ምትሕግጋዝ ሻንጋይ ርኡይ’ዩ፡ ሕጂ ድማ ሞዲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ከይሳተፍ ዝወሰዶ ውሳነ’ዩ” ይብል ባጅፓይ።
ኣብ ሰነ 2020 ኣብቲ ኣካታዒ ዶብ ቻይናን ህንዲን ዝተፈጥረ ምግጣም፡ ተቐናቐንቲ ወተሃደራት ብኣኻውሕ፡ ብበትሪን ምጭብባጥን ኣብ ዝዋግኡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነቲ ድሮ ተንካፊ ዝነበረ ዝምድናኦም ብዓቢኡ ቀይርዎ። ብውሕዱ 20 ወተሃደራት ህንዲን ኣርባዕተ ወተሃደራት ቻይናን ተቐቲሎም። ዋላ እኳ ዝርርብ እንተተኻየደ ወጥሪ ግን ቀፂሉ እዩ።
★ ዝደኸመ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ መራሒ ሰኔጋል ነተን ዝተበታተና ሃገራት ክምለሳ ከእምነን ክጽዕር ሓቲቱ
ዝተመቓቐለ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ(ኢኮዋስ) ትማሊ ሰንበት ንፕረዚደንት ሰኔጋል ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ምስተን ብወተሃደራዊ ጁንታ ዝምራሕ ሰለስተ ኣባል ሃገራት ዘተ ብምክያድ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብቲ ጉጅለ ክወጻ ዝወሰነኦ ውሳነ ስዒቡ ምርግጋኡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ዞባ ዳግማይ ንምጥርናፍ ክጽዕር ሓቲቱ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ኣቡጃ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ እቲ ብኢኮዋስ ዝፍለጥ – ንፋየ ልኡኽ ኮይኑ መዚዙ፡ ምስተን በብወገኖም ዝገበሩዎ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምድና ድሕሪ ምብታኹ፡ ንበይነን ሕብረት ዝመስረታ ማሊ፡ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ክዘራራብ ምኻኑ ተሓቢሩ ።
ውዕላት ናይቲ ዘተ እንታይ ከም ዝኸውን ብቕጽበት ንጹር ኣይነበረን። እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ብዕድመ ዝነኣሰ መራሒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሰኔጋል “ከም ኣመሓዳሪ ኮይኑ ንኸገልግል ዘድሊ ኩሉ መረጋገጺታት ኣለዎ” ክብል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኢኮዋስ ዑመር ኣሊዩ ቱራይ ኣብቲ ዋዕላ ገሊጹ።
እተን ሰለስተ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተሃስያ ሃገራት ድሮ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝገበርኦ ዋዕላ “ንኢኮዋስ ብዘይምምላስ ሕቖአን ሂበንኦ” ኢለን ነይረን። ኣብ’ቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኽ’ቲ ውድብ ብኸምዚ ኣገባብ ኣባላቱ ክስእን ንመጀመርታ ግዜ’ዩ።
ተንተንቲ ምደባ ፋየ ኣብ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዞባዊ ቅልውላው ኣገዳሲ ገይሮም ይርእይዎ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝተረፈ ዞባዊ ወጥሪ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ፍረ ዘይብሉ” ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ ይብል ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ምስ ኣሃዱ ስለያ ኢኮኖሚስት ካሪም ማኑኤል።
ቱራይ፡ “ንዓመታት ንብሎክ ዝኸፍአ ግዜ’ዩ ነይሩ” ኢሉ። “ክልልና እውን ናይ ምብትታን ሓደጋታት ኣጋጢምዎ ኣሎ” ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።
“ካብ ስምምዕ ምስ ወጻእካ፡ ብርግጽ ኣካል ናይ’ቲ ስምምዕ ኣይትኸውንን ኢኻ። ብዛዕባ ናጻ ንግዲ፡ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት እንተኾይኑ፡ እቶም ሕድገታት ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ይቕጽል ኣሎ” ይብል ቱራይ።
ኢኮዋስ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት እንተዘይተመሊሰን ከቋርጾም ክግደድ ይኽእል እዩ ዝበሎ ቁጠባዊ ፕሮጀክትታት ብተወሳኺ፡ ምስሓቦም ንዜጋታተን እውን ክጸልዎም ይኽእል እዩ። ኢኮዋስ — ከም ላዕለዋይ ፖለቲካውን ቁጠባውን በዓል መዚ ምዕራብ ኣፍሪቃ — ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሃገራት ናጻ ንግድን ካብ ቪዛ ነጻ ዝኾነ ምንቅስቓስን የቕርብ።
ሰለስቲአን ሃገራት ካብቲ ውድብ ምውጽአን ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ንዝርከቡ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ክጸልወን ይኽእል’ዩ። ኩሎም ዶባትን ቀታሊ ጸጥታዊ ቅልውላዋትን ይካፈሉ እዮም፡ እዚ ሕጂ ኣብ መላእ ዞባ ተዘርጊሑ ዘሎን እቲ ውድብ ንምምካት ሽርክነቶም ዝደሊ ዘሎን እዩ። ኣብተን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ንኻልኦት ወተሃደራዊ ሓይሊ ከሰፍር ከምዝኽእል’ውን ተዓዘብቲ ኣጠንቂቖም ኣለው፣ ብፍላይ ኣብተን ዜጋታት ካብ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቶም ተጠቀምቲ ከምዘይኮኑ ዘማርሩለን ሃገራት’ውን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ናይ ሓደ ዓመት ስልጣኑ ኣብ ምዝዛሙ ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን ኣቦ መንበር ናይቲ ውድብ ኮይኖም ከገልግሉ ዝተሓተቱ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ፡ ኣብዚ “ዓበይቲ ብድሆታት” ነቲ ዞባ ንምምዕባል ዝሓየለን ሓድሽን ሽርክነት ክግበር ጸዊዑ።
“ብሓባር ኮይንና ንመላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብልጽግና ዘለዎ መጻኢ መንገዲ ክንጸርግ ንኽእል ኢና” ኢሉ ቲኑቡ።
