Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ጉባኤ 2015 ዓ/ም ሎሚ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ሕሉፉን መፃእን ምንቅስቓስ ኣትሌቲክስ ትግራይ፣ ኦዲት ፣ ሕገ ደንቢ፣ ቐፃሊ ኣንፈታት እቲ ፌዴሬሽን አጀንዳ ኮይኖም ብምቕራብ ሰፊሕ ዘተ ተኻይድሎም እዩ።

ብፕሬዝደንት ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ማርያም ተኽለሃይማኖት ኣብ ዝተመርሐ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኮይኑ ነዚ ጉባኤ ኣዳልዩ ኣብ ዳግመ ሕውየት ስፓርት ትግራይ ወሲኑ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ብሓፈሻ ኣትሌቲክስ ትግራይ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ኩሉ ተዋዲዱ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት፣ ከተማታት ትግራይ ዝተውፃፅኡ ኣመራርሓ ፣ክኢላታት ስፓርት ትግራይ ተሳቲፎም እዩም።

ምንጪ፡ ድ/ወ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *