
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ምልሻታት ካብ ገለ ቀንዲ ከተማታት ድሕሪ ምንስሓቦም ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑ ምህላው ተገሊጹ።
እቲ ተዛማዲ ሰላም፡ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም በቲ ግጭት ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ንምፍጻም ኣኽኢሉ ምህላው ሓደ ነባሪ ባህር ዳር ገሊጹ።
መንግስቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሽዱሽተ ከተማታት እቲ ክልል ካብ ዕጡቓት ነጻ ናይ ምውጻእ ንጥፈታት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ ኔሩ።
ኣብ ባህር ዳር፡ ደብረ ማርቆስ፡ ደብረ ብርሃን፡ ላሊበላ፡ ጐንደርን ሸዋ ሮቢትን ዝነበሩ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም እዩ እቲ ላዕለዋይ እዚ ኣፍሊጡ።
