ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝተፈላልየ ማሕብራዊ ፀገማት ሕዝቢ ትግራይ ንምቕራፍ እጃሙ እናበርክተ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ኣካያዲ እቲ ትካል ኣይተ ክብርኣብ ተወልደ ሕዚ ድማ ንደበስ ስድራ ስውኣት ብር 550 ሚልዮን ብር ብመንገዲ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ንመንግስቲ ኣታዊ ምግባሩ ኣፍሊጦም።
ስድራ ስውኣትን ውግኣት ኪናትን ብዘላቕነት ዓርሶም ዝኽእልሉ ኩንታት ምምችቻው ግደ ኩሉ ትግራዋይ እዩ ዝብሉ ኣይተ ክብርኣብ ተወልደ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ብግዲኡ እቶም ስድራ ስውኣት ውግኣት ኲናትን ብማሕበር ተውዲቦም ኣብ ምክፍፋልን ምሻጥን ፍራያት ስሚንቶ ንምውፋር ይስርሕ ምህላዉ ገሊፆም።
