ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ኬኒያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣካይዶም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዋና ቤት ዕዮ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
ምስ መዘነኦም ጄኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላ ክሊቲኣዊ ዝምድና እተን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥናኻር ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ተላዚቦም።
ድሕንነት እቲ ቀጣና ኣብ ምሕላው፣ ምትሕብባር ምክልኻልን ሓበራዊ ልምምድ ስልጠናን ክብ ምባል ኣብ ዘኽእል ዘተ ከምዝገበሩ እውን ተገሊፁ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ፥ ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ ንዝገበረሎም ኣቀባብላን እንግዶትን አመስጊኖም።
