ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሶማሊላንድ ሜጄር ጄኔራል ኑህ ኢስማኤል ታኒ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሶማሊላንድ ሜጄር ጄኔራል ኑህ ኢስማኤል ታኒ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ እንትበፅሕ ብጄኔራል መኮንናት ኣቀባብላ
ከምዝተገበረሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ፕሬዘዳንት ሶማሊላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምዝታዮምን ሰነድ ስምምዕነት ምኽታሞምን ይዝከር።
