ብሕብረት ኣፍሪካን ኣደራደርቲ ኣካላትን ዝተሰናድአ እዚ መድረኻ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስራቴጅካዊ ገምጋም ንምክያድ ዓሊሙ ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ሰላምን ፀጥታን ፖለቲካዊ ጉዳያትን እቲ ሕብረት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስትራቴጅካዊ ገምጋም ኣብ ኣተገባብራ እቲ ውዕሊ ስትራተጂካዊ ገምጋም ብምክያድን፡ ኣብ መስርሕ ሰላም ወሳኒ መዳያን ምድጋፍን ዝዓለመ እዩ ኢሉ ኣሎ ።




