ብሰንኪ ጅኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ፡ ከቢድ ዕንወት በፂሕዎ ዝፀንሐ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ከተማ ኣኽሱም ንምፅጋን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወፀ ጨረታ ዝተዓወተ ንኡድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኮንስትራክሽን ስራሕቱ ንምጅማር ዘኽእሎ ምድላዋት ምውጋኑ ኣፍሊጡ ።
እቲ ኩባንያ ዕንወት ዝበፅሖ መንደርደሪ ነፈርቲ ፀሊም ፅርግያ ፡ ኢሉ’ውን ህንፃ ተርሚናል መገደኛታት ንምፅጋን ዘኽእሎ መሳርሕታት ማሽነሪን እኹል ሓይሊ ሰብን ኣዳልዩ ፅገና ንምጅማር ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምእታው መተሓባባሪ ኘሮጀክት ንኡድ ኮንስትራክሽን ኢንጅነር ጉዕሽ ካሕሳይ ተዛሪቦም።
ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ስራሕቲ ፅገና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም ውዕሊ ከም ዝተአሰረ ዝሓበሩ ኢንጅነር ጉዕሽ ካሕሳይ ይኹን እምበር እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዕብየት ቱሪዝም ትግራይ ዘለዎ እጃም ተረዲእና ቅድሚ ዝተተሓዘሉ ግዘ ገደብ ንምዝዛም ለይትን ቀትር ክንስርሕ ኢና ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።
