# ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኮሎምበስ ኦሃዮ ክምዝሳለጥ ተገሊፁ ።
# ኣብ እዋን ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ንክረክብን ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ ኣፍሊጡ።
# ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሃገረ ዴንማርክ ክሳለጥ እዩ ።
# “ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታትና ብልምዓት እንተደቢስናዮም ዝበለፀ ክብሪ ኣለዎ”- ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሊባኖስ
# ጅግንነት ስውኣትና ደረት ኣልቦ እዩ-ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ፥
# ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓገዝ መግቢ ከቕርብ ጀሚሩ
# ናይ ሎሚ ምዕባለታት ኲናት ሓማስን እስራኤልን
ፌስቡክን ኤክስን ኣብ ጉዳይ እስራኤል – ቓዛ መጠንቀቕታ በፂሕዎም
# ግብጺ ንእስራኤል ሓማስ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣጠንቂቓታ ከምዝነበረት ኣቦ መንበር ፓነል ኮንግረስ ኣመሪካ ገሊጹ።
ስላም ተከታተልቲ ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ዝተጠቀሱ ዝርዝር ሓበረታ ሐዘ ቀሪበ ኣለኩ ሰናይ ምክትታል!
1) ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኮሎምበስ ኦሃዮ ክምዝሳለጥ ተገሊፁ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስነ-ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽሪን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ከም ዝስላጥ ምግላፁ ይዝከር ።
ነዚ ሲዒቡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራዋይ መእንቲ ህዝቢ ክብሉ ክብር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ደቂ ህዝቢ ንምዝካርን ክብሪ ንምሃብን ዝተፈላለለዩ ምድላዋት እናተወገኑ እዮም ።
እዚ ስነ-ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽርን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኮሎምበስ ኦሃዮ እውን ክሳለጥ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ ።
እቲ ዝኽሪ መርሀ ግብሪ ስውኣት ሃርበኛታት ትግራይ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 14 ጥቅምቲ 2023 ከምዝካየድ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
2) ኣብ እዋን ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ንክረክብን ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብ እዋን ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽርን ስውኣት ጀጋኑ ካብን ናብን ዝህሉ ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝሓሸ ንክኸውንን ሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ንክረክብን ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝንፀባረቑ ዘይስሩዕ ወረታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ምዃኖም ሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ክረክብ ይስራሕ ምህላዉ ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብሪሆም።
3) ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሃገረ ዴንማርክ ክሳለጥ እዩ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስነ-ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽሪን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ድሕሪ ዕላዊ ምግባሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራዋይ ነቶም ክብር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ደቂ ህዝቢ ንምዝካርን ክብሪ ንምሃብን ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ።
ብመሰረት እዚ ስነ-ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽርን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ኣብ ሀገረ ዴንማርክ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 14ን15 ጥቅምቲ 2023 ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ብኣተሓባባራይነት ማሕበር ተጋሩ ዴንማርክ ኣብ ሃገረ ዴንማርክ ክሳለጥ እዩ።
ብጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ /ATAD/ መርድእ ስዉኣትና ብዝምልከት መግለፂ አውፂኡ ።
” ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተላፊኖም ንተጋሩ ካብ ምድረገፅ ንኸፅንቱ ኲናት ብኹሉ ግንባራት ኣብ ዘኸፈትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበፅሐ ግፍዒን መከራን ኣስኪሕዎም ህዝቦም ከድሕኑ ብረት ኣልዒሎም ንሓርነት ህዝቢ ትግራይ ክብርቲ ሂወቶም ንዝሃቡ ጀጋኑ ስዉኣት ተጋደልትና ንመስዋእቶም ካብ መዓሙቕ ልብና ዝለዓለ ክብሪ ንህብ ” ይብል ኣብቲ መግለፂኡ። ወሲኩ ” መስዋእትነት ጀጋኑና ክንዝክርን ክነኽብርን ከለና ሓዲጎምሞ ንዘሓለፉ ዕሸላት ደቆምን ሽማግለታት ወለዶምን ከም ደቅናን ከም ወለድናን ብምርኣይ ምሕጋዝ እቲ ዝዓበየ ቤት ዕዮናን ደበስ ሰማእታትና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ” ይብል።
” ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንስድራ ቤቶም፣ ንፈተውቶምን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፅንዓት ክህብን ንዓኣቶምውን መንግስተ ሰማይ እንዳተመነና ዕላማ ስዉኣትና ንምዕዋት ከም ወትሩና ፀኒዕና ኩለመዳያዊ ቃልስና ንኽነጠናኽር ኣታድ ይፅውዕ ” ክብል ገሊፁ።
4) “ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታትና ብልምዓት እንተደቢስናዮም ዝበለፀ ክብሪ ኣለዎ”- ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሊባኖስ
ኣብ መንበረ ሰላማ ከሣሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ስነ-ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣መርድእን ዝኽርን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታትና ኣብ ተስካሮም እኽልን ማይን ብምፍሳስ ምድጋስ ዘይኮነስ ንሳቶም ትግራይ ነፃነት ክትረክብ፣ ክትዓብን ክትለምዕን ዝሓለፉ ስለ ዝኾኑ ዝለዓለ ክብሪ ይግቦኦም ብምባል ሕድሮም ብልምዓት እንተደቢስናዮም ድማ ዝበለፀ ክብሪ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
እዞም ምእንተ ትግራይ ኢሎም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ደቂ ህዝቢ ኣይሞቱን ህያዋን እዮም፣ህያው ዝበሃል ሰብ ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ዝፈፀመ እዩ፣ ቤተ ክርስትያን ድማ ምእንተ ዓዱ፣ ወገኑን ሃይማኖቱን ዝሓለፈ ብሰማእትነት ከም እትፅውዖ ኣብሪሆም።
ስለዚ እዞም ደቅና ህዝቢ ትግራይ ይበፅሖ ካብ ዝነበረ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ንምክልኻል ክብሉ እታ ዝፈትውዋን መተካእታ ዘይብላን ህወቶም ንህዝብና ንወገንና ኢሎም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ስለ ዝኾኑ ካብዚኣ ዝበለፀት ሰማእትነት የለን ክብሉ እውን ብፁእ ኣቡነ ሊባዮኖስ ኣገንዚቦም።
ስለዚ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ሰማእትነት ዝፈፀሙ ብምዃኖም ቤተ ክህነት ትግራይ ሰማእታት ትግራይ ኢላቶም ኣላ ኢሎም እቶም ሊቀ ጳጳስ።
እዚኦም ክብሮም ኣብ ሰማይን ምድርን እዩ፣ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝወርሱላ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ክሳብ መጨረሻ ትውልዲ ስማቶም እናተፀወዐ ዝነብር እዩ ዝበሉ ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ንሕና ብህይወት ዝተረፍና ድማ ንስድራ ስውኣት ክነፅናዕነዖም ፣ ክንኸናኸኖምን ክነኽብሮምን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦና ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንስድራ ሰውኣት ፈጣሪ ፅንዓት ንክህቦም ተመንዮም።
5) ጅግንነት ስውኣትና ደረት ኣልቦ እዩ-ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ
ጅግንነት ስውኣት ሰራዊት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሙሉእ ፅንተት ዘድሓነ ብምዃኑ ካብ ሐዘን ወፂእና ዝተሰውእሉ ዕላማ ብምትግባር ክንክሕሶም ይግባእ ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ ገሊፆም።
ብትሉም ኣገባብ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዘካየዱ ወረርቲ ሓይልታት ተጋዳላይ ትግራይ ብዝፈጸሞ ደረት ኣልቦ ጅግንነትን ብዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሙሉእ ፅንተት ኣድሒኑዎ ዩ ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ።
6) ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓገዝ መግቢ ከቕርብ ጀሚሩ
ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ጥራይ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን’ውን ሓገዝ መግቢ ምሃብ ክጅምር ይጽዕር ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ናብቶም ዝግብኦም ተጠቀምቲ ከይበፅሐ ንኻልእ ዕላማታት ይውዕል ከምዝነበረ ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘቋረፆ ይዝከር።
ውድብ መግቢ ዓለም፡ ዳግም ረድኤት መግቢ ከቕርብ ዝጀመረ “ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ምስ ዕደላ ረድኤት ተታሓሒዙ ዓብዪ ለውጢ ስለዝተገበረ” ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ተሓጋጋዚት ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል፡ ቫለሪ ጓርነሪ፡ “ሓገዝ መግቢ ነቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረት ህይወቶም እዩ። ኣብዚ እዋን ነቲ ቀረብ ንኽንጅምሮ ዘኽእሉና ኣገደስቲ ስጉምትታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልና ዕረፍቲ ተሰሚዑናሎ” ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተቛሪጹ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ምጅማሩ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ስደተኛታት ቀረብ መግቢ ክበፅሕ ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
7) ናይ ሎሚ ምዕባለታት ኲናት ሓማስን እስራኤልን
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ንእስራኤል መወዳእታ ዘይብሉ ደገፍ ኣሜሪካ ቃል ኣትዮም።
እስራኤል ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤል ክሳብ ዘይተፈትሑ ከበባ ጋዛ ከምዘይውዳእ ገሊጻ።ሚኒስተር ጸዓት እስራኤል ካትዝ፡ “ዝኾነ ናይ ኤሌክትሪክ መቐየሪ ኣይክውላዕን፡ ዝኾነ ናይ ማይ መውጽኢ ኣይክኽፈትን፡ ዝኾነ ናይ ነዳዲ መኪና ኣይክኣቱን’ዩ” ኢለን።
ሓማስ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ቀታሊ መጥቃዕቲ 1300 ሰባት ኣብ ዝቐተለሉ እዋን ብውሕዱ 150 ጅሆ ተታሒዞም ናብ ጋዛ ተታሒዞም ተወሲዶም እዮም።
እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣየር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ጋዛ ልዕሊ 1300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 338 ሽሕ ድማ ተመዛቢሎም።
8) ፌስቡክን ኤክስን ኣብ ጉዳይ እስራኤል – ቓዛ መጠንቀቕታ በፂሕዎም
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሜታ “ስኑዓት ሓበሬታታት” ይዝርጋሕ ኣሎ ብዝብል ንወናኒ እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ኣጠንቂቑ። እቲ ሕብረት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ’ውን ንኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ነይሩ።
ንፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝውንን ኩባንያ ሜታ መልሲ ክህብን ሕጊ ኤውሮጳ ክኽተልን ናይ 24 ሰዓታት ገደብ ግዜ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዝንዝሑ ናይ ሓሶት ስእልታትን ቪድዮታትን ኣዕለቕሊለን ኣለዋ።
ኣብቲ ሕብረት ሓላፊ እቲ ዓውዲ ዝኾነ ቲየሪ ብሬተን፡ ንሜታ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ “እዋናዊ፣ ግቡእን ጭቡጥን ስጉምቲ” ክወስዱ ሓቢሩ።
ኣብቲ ደብዳበ ከምዝተጠቐሰ፡ ኩባንያ ሜታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታቱ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ንምግታእ ብዛዕባ ዝወሰዶ “ተመጣጣንን ኣድማዕን” ስጉምትታት ንኸፍልጥ ናይ 24 ሰዓታት ግዜ ተዋሂብዎ ኣሎ።
9) ግብጺ ንእስራኤል ሓማስ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣጠንቂቓታ ከምዝነበረት ኣቦ መንበር ፓነል ኮንግረስ ኣመሪካ ገሊጹ።
ግብጺ ንእስራኤል ሓማስ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣጠንቂቓታ ከምዝነበረት ኣቦ መንበር ፓነል ኮንግረስ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ኣቦ መንበር ከምዝሓበሮ ሓማስ ዶብ ጥሒሱ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ከይፈጸመ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ግብጺ መጠንቀቕታ በጺሕዋ ነይሩ።
ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ማይክል ማኮል፡ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጠንቀቕታ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን፡ ነቲ ጸብጻባት “ፍጹም ሓሶት” ክብል ይነጽጐ።
ኣገልግሎት ስለያ እስራኤል ነቲ ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ምክልኻል ብዘይምኽኣሉ ኣብ ትሕቲ ክትትል ይርከብ።
ክቡራት ተካታተልቲ ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ናይ ሎሚ ትሕዝቶና ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ ንቀፃሊ መምሀርቲ ዝበልናዮም ዛዕባታትን ሓበሬታትን ከነቅርብ ኢና ሳብስክሪብ ሼር ኣይትዘንግዑ ፡ ስላም ንዓኩም!
ስማእታት ትግራይ ዕላመኦም ብምስካዕ ንደብሶም! ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና!
ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ!
