ፃውዒት ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ
ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ቀልጢፉ ክፍታሕን ንዝተፈፀሙ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ክካየድን ይግባእ- ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ሜሪላንድ፡፡
ድሕሪ ከቢድ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕሱም ጥሜት ብህፁፅ ክፍታሕ ቅዋም ዝሓዘ ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክፃረ መርመርቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ትግራይ ኣትዮም ምፅራይ ክገብሩ ክፈቅድ ፀዊዑ፡፡
