Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፃውዒት ሂወት ኣድሕን

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ሕዚ እውን ብስፍሓቱን ዕምቆቱን እናተጋደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ህፁፅ ሓገዝ ይጠልብ ክብል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ፀዊዑ ።

ኣባላት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ስዒቡ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት 36 ወረዳታት 215 ጣብያታት ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቁ ኣሎ ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሐዚ እውን እቲ ሓደጋ ብስፍሓቱን ዕምቆቱን እናተጋደደ ይከይድ ስለ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ህፁፅ ሓገዝ ይጠልብ ክብል ፃውዒቶም ኣቕሪቦም። ነዚ ድማ ኩሉ ትግረዋይን ፈታዊ ትግራይን በቢዘለዎ ኮይኑ ሓገዛቱ ከጠናኽር ተላብዩም ።

መንግስቲ ፌደራል ህዝብና ንምድሓን ንመላእ ማሕበረሰብ ዕላዊ ክገብርን ሓገዙ ከጠናኽርን ይግባእ ዝበሉ አባላት እቲ ሓይሊ ዕማም ክልላት ኢትዮጲያ እውን ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ግዘ ዘይህብ ሐደጋ አብ ጎኒ ህዝብና ጠጠው ክብሉን ግቡእ ሓገዝ ክገብሩን ይግባእ ።

ክሳብ ሐዚ ሐገዝ ንዝገበሩ ነመስግን ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ይኹን እምበር ምስቲ ስፍሓት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ዘይመጣጠን ብሙኻኑ እቲ ሓገዝ ክጠናከር ይግባእ ኢሎም።

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ ዛጊድ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ? ከምኡ እውን ኩነታታት ስራሕቱን ኣፈፃፅሙኡን ንህዝቢ ዕላዊ አብ ምግባር አብ ዙርያ እቲ ሓይሊ ዕማም ብሓፈሻ ካብ ዝተፈላለዩ አካላትን ንዝልዓሉ ሕቶታት እንኮላይ ጉዳይ ካብቲ ሓይሊ ዕማም ዓርሶም ንዘግለሉ አካላት ምላሽ ተዋሂቡ ።

እቲ ሓይሊ ዕማም አብ ልዕሊ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቂን ጥምየትን ስዒቡ አብ 5 ዞባታት 36 ወረዳታት ፣215ጣብያታት ዝርከብ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ይጠልብ ክብል ኣብዚ ቐረባ መዓልታት መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ ነዚ ንምሕጋዝ ልዕሊ 40 ቢልዮን ብር ልዕሊ 10 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ድማ የድልዮ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ድማ በቲ ሓይሊ ዕማም ዝተኣከበ እቶት ኣብ ድሮ ብዓል ልደት 27 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ንፈለማ እዋን 282.4 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደገ 64,000 ኩንታል ዝግመት እኽሊ ናብ 32 ወረዳታት ተፃዒኑ ከምዘጓዓዓዘ ዝዝከር እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *