Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፃዉዒት ምዝገባ ዕንወትን ኪሳራን ትካላት ንግድን ኢንቨስትመንትን

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ምስ ኣብያተ ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ብምትሕብባር ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ዕንወትን ክሳራን ትካላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ካልኦት ማሕበራዊ ትካላትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ ፣ምብራቕ ትግራይን ከተማ መቐለን ኣብ ልዕሊ 31 ሽሕ ትካላት ምዝገባ ከምዝተኻየደን ዛጊድ ተፀኒዑ ካብ ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ከምዝኸዉን ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ ገሊፆም።

ክምዝገባን ክድህሰሳን ካብ ዝግበአን ልዕሊ 160 ሽሕ ትካላት ዛጊድ እተን 31 ሽሕ ትካላት ከምዝተመዝገባ ዝገለፁ ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምዝገባ ኣብ ዝተኻየደለን ዞባታት ምዝገባ ዘምለጦምን ካብ ዝተፈላለያ ክልላትትን ከባብታት ትግራይን ዝተፈናቕሉ ሰብ ዋና ትካላት ካብ 5 ክሳብ 15 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ትግራይ ክምዝገቡ ፀዊዖም።

ምዝገባ ኣብ ዘይተኻየደለን ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ከምኡ’ዉን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ከባብታትን ድማ ካብ ጥሪ 5 ክሳብ 15 / 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓዲ፣ዓድዋ፣ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤትምኽሪ ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ወፍሪ ምዝገባ ስለ ዝካየድ ሰብ ዋና ትካላት ብእዋኖም ተመዝጊቦም ፅፉፍን እኹልን ሓበሬታ ክህቡ ይግባእ ኢሎም ኣይተ የማነ ዘርኣይ።

ምክትል ፕሬዚደንት ቤትምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ደስታ በርሀን ምክትል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ስዩምን ኣብ ትካላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ብምዝርራብ ካሕሳ ንምሕታት ኣብ ከይዲ ከምዘለዉን ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ሰብ ዋና እቶም ትካላት ተመዝጊቦም እኹል መረዳእታ ክህቡ ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *