Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፃዉዒት ሓገዝ ዓፂድ

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ነበርቲ ጣብያ ማይ በራዝዮ ዝኾኑ ሓረስቶት ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዘብፅሕዎ ዝራእቶም ብምኽንያት ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ይበላሸው ብምህላዉ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ኣካላት ኣብ ወፍሪ ምእካብ ምህርቲ ሓገዝ ክገብሩሎም ፀዊዖም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገ/መስቀል ኣብታ ወረዳ ብዝራእቲ ካብ ዝተሸፈነ 11 ሽሕ ሄክታር መሬት እቲ 2 ሽሕን 987 ሄክታር ጥራሕ ከምዝተዓፀደን ምህርቲ ሓረስቶት ንኸይባኽን ኩሉ ክረባረብ ፃዉዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝራእቲ ቆውዒ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ዳርጋ ኣብ ኩለን ወረዳታት እቲ ዞባ ተደጋጋሚ ወቕቱ ዘይሓለወ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ኣብ ዝራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ብምህላዉ ሓረስቶት ቐልጢ ፎም ዝራእቲ ክእክቡ ከም ዘለዎም ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ሰለሞን ሞዓሾ ገሊፆም።

ዛጊድ ንስድራ ስዉኣትን ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናትን ኣካላት ፀጥታ፣ ተምሃሮን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ብጉልበትን ማዕፂድ ብምቕራብን ሓገዛት ይግበሩ ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ሰሎሞን እቶም ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ፤ ሓረስቶት ድማ ዝኣከብዎ ዝራእቶም ማይ ከበላሽዎ ብዘይኽእለሉ ሜላ ኣኮላስሳ ክዉግኑ ይግባእ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *