ትካል እኖታት ንእኖታት ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ሃምሊን ፊስቱላ ከምኡ’ውን UNFPA ብምትሕብባር ወፍሪ ምሕካም ሙልቆ ማህፀን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ንምክያድ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ተሳሊጡ።
ልዕሊ ሸሞንተ ሸሕ ኣዴታት ሙልቆ ማህፀን ከምዘጋጠመን ተሓሳቢ ተገይሩ ንምምርማርን ምሕካምን ኣብ ዝተሳለጠ ዓውደ መፅናዕቲ መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ፣ ኣብ ዝካየድ ምርመራን መጥባሕትን ንዝሳተፉ ሓካይም እቲ ግልጋሎት ሕክምና ንኣዴታት ብዝምጥን ሓልዮትን ትኹረትን ክስራሕ ኣገንዚቦም።
ንጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ስዒቡ ቁፅሪ ሙልቆ ማህፀን ዘጋጠመን ኣዴታት ከምዝወሰኸ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተገለፀ ኾይኑ፣ በቲ ሐዚ ዝጅመር ዘሎ ወፍሪ ሙልቆ ማህፀን ዘጋጠመን ኣዴታት በቢ ከባቢኡ ካብ ፅባሕ 21 ለካቲት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ግልጋሎት ሕክምና ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ፀገም ፊስቱላ ዘጋጠመን ኣዴታት እውን ንምሕካም ይስራሕ ከምዘሎ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ፀገም ሙልቆ ማህፀን ዘጋጠመን ኣዴታት ኣብ ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ ፣ ዓዲግራት ፣ ማይጨው፣ ተምቤን መቐለን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት እቲ ግልጋሎት ክረኽባ ምዃነን ተሓቢሩ ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፀገም ሙልቆ ማህፀን ዘጋጥመን ኣዴታት ብምምርማርን ምሕካምን በቲ ፀገም ዝሳቐያ ኣዴታት ንከይህልዋ መደብ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።
