ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ከበድቲ ግፍዕታት ይበፅሖ ብምህላዉ እቲ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን እዮም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ።
እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕታት ዝፍፅሙን ይፍፅሙ ዘለዉን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፁ፤ ተሓታትነት ክረጋገፅ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ዝብሉ ፃውዒታት እውን ኣካል እቲ ሰልፊ ምንባሮም ተመልኪቱ ኣሎ።
ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት የብቅዕ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ባይታ ክሕዝ ብዝብል ቐፃሊ ሰልፊ እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።
ድወት
