Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ንምፍታሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተዋደደ መንገዲ ክስራሕ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ትግራይ በቢኸባቢኡ ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ብመሰረቱ ንምፍታሕ ከም መንግስቲን ህዝብን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተዋደደን ብልዑል ስምረትን ክስራሕ ከምዘለዎ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መምርሒ ሂቦም።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ህልው ኩነታት ፀጥታን ድሕነትን ትግራይ ዝጠመተ ክልላዊ መድረኽ ኣብ ዝተሳለጠሉ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ፣ ህዝብን መንግስትን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሰላሙን ደሕንነቱን ውሑስ ክገብር ከምዝግባእ ገሊፆም።

“ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ብዘተኣማምን ብርኪ ውሑስ ናይ ምግባር ጉዳይ፣ ቁልፍን መሰረታዊን ብምዃኑ፣ ከም ትግራይ ኣብዚ መዳይ ዘለና ዕቑር ልምድን ተመኩሮን ኣወሃሂድና ብምጥቃም ጭቡጥ ለውጢ ክነመዝግብ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ኣለና” ኢሎም ፕሬዝደንት ጌታቸው።

እቲ መድረኽ ጭቡጥ ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ብዝርዝር ብምምርማር እቶም ዝረኣዩ ዘለው ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ፀገማት ብመሰረቱ ንምቕራፍን ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ከውሕስ ዘኽእል ስትራቴጂን ኣንፈታትን ንምቕማጥን ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእን ዝዓለመ እንትኾን ካብ ክልል ክሳብ ወረዳታት ዝርከቡ ዝምልከቶም መሓውር ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ምስታፍ ይርከቡ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ትግራይ ሓቢሩ።

ትግቲቪ


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *