እዚ ዝተገለፀ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት፣ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ፣ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ፣ ውልቀ ትካላት፣ ሰብ ሃፍቲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ቁጠባ ትግራይን ጠመተ ዘድልዩም ጉዳያትን መፍትሕታቶምን ኣብ ዝመክር መድረክ እዩ።
መንግስቲ ፌደራል ፀገማት ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ተረዲኡ መፍትሒ ከምፅእ ይግባእ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፣ዘለዎም ፀገም እናተጋደደ ይመፅእ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓቅሚ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ብኲናት ኣዝዩ ከምዝተሃሰየ ዝተገለፀሉ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፣ፀገም ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ንምፍታሕ ፓለቲካዊ መፍትሒ ንኽመፅን ብትኹረትን ብውዳበን ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ጀነራል ፃድቃን ቁጠባ ትግራይ ክነቃቃሕ ብምስራሕ ማሕበረሰባዊ ፀገም ምፍታሕ ከምዝከኣል እውን ኣመላኺቶም።
ፀገም ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ጠሚቱ ምስ ዝምልከቶም ትካላትን ኣካላትን መንግስቲ ፌደራል እናዘተና መፂና ኢና ዝበሉ ሓላፊ ካቢኔ ሰክሪተርያት ትልምን እቶትን ምሕደራ ሃፍትን ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ፣ ሐዚ’ውን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ብምዝታይ ቀፃሊ ተግባራት ንምፍፃም ዝተዳለወ መድረኽ ምዃኑ ገሊፆም።
ዶክተር ሓጎስ መሰረታዊ መፍትሒ ክመፅእ ዝኽእል ብፓለቲካዊ ዘተ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
