Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ህፁፅ ጥዕናዊ ደገፍ ን ምላሽን ምሃብ ንሕውየት ወሳኒ እዩ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ንግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ህፁፅ ጥዕናዊ ደገፍ ን ምላሽን ምሃብ ንሕውየት ወሳኒ ምኻኑ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ተድሮስ ኣድሓኖ ኣብ ትዊተር ገፅ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓልፉ 3 ዓመታት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፀሓ ፆታዊ ዓመፅ ልቢ ዝሰብር እዩ ኢሎም፡፡

ዶክተር ቴድሮስ ኣዚ ዝገለፁ እቲ ብ ምሁራት ስቪል ማህበረሰብን ዝተፀነዐን ብ BMJ ጆርናል War-related sexual and gender-based violence in Tigray, Northern Ethiopia: a community-based study | BMJ Global Health ኣብልዕሊ ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ኣብ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ን ጅምላዊ ዓመፅ ሓዊሱ ንፆታ መሰረት ዝገበረ ዓመፅ ዘብፀሖ ጉድኣትን መፍትሒን ዝገልፅ መፅናዕቲ ብምትሕሓዝ እዩ፡፡

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ምፅናዕቲ ካብዝተኻተታ 5171 ደቂ ኣንስትዮ እተን 2241 ወይ ድማ 43.3% (ደቂ ኣንስትዮ እንተወሓደ ሓደ ዓይነት ፆታዊ ዓመፅ ከምዘጋጠመን የመላኽት። ብፍላይ እተን 89 ሚእታዊ ድማ ድሕሪ ዝበፀሐን ፃመፅ ዝኾን ዓይነት ሕክምናዊን ስነኣእምሮኣዊ ደገፍ ዘይረኸባ ምኻነን እቲ መፅናዕቲ የመላኽት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *