ኣብ ወረዳ እምባስነይቲ ከተማ ነበለት ብሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ዕንወት ዝበፅሐን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ፈተውቲ ዓዶምን ህዝቦምን ብዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱን ብብር 15 ሚልዮን መሊሰን ተፀጊነን ንግልጋሎት በቒዓን።
ከም ሓበሬታ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀአን ዝዓነዋ እየን።
ኣብ ውሽጠን ዝነበራ ሓደሽቲ ኮምፒተራት ናብ ኤርትራ ዝተፃዓነ እንትኸውን ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ብላክቦርድ ድማ ሰራዊት ኤርትራ መስርሒ ድፋዕ ተጠቒሙሉ እዩ።
ሕልፊ ዓድኻን ህዝብኻን እንትትፎቱ እምበር ሕልፊ ስለዘለካ ኣይኮነን እትህብ ዝበሉ ዶክተር ኪሮስ ፈተውቲ ዓዶም ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱን ብር 15 ሚልዮን ወፃኢ ብምግባር እተን ዕንወት ዝበፅሐን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ግቡእ ፅገና ብምግባር ኣረኪቦም ኣለው ።
እዚ ሰናይ ተግባር ድማ ኩሉ በዓል ሃፍቲ ክኽተሎ ዝግባእ ሰናይ ምንቅስቓስ ምኻኑ ገሊፆም ።
እዚ ንመፃኢት ትግራይ ዝተገበረ ኢንቨስትመንት እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ዶክተር ኪሮስ ነዚ ሰናይ ተግባር ዝፈፀሙ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱ ልዑል ክብሪ ይግብኦም ኢሎም ።
