Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግደ ፋይናንስ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ትግራይ

ትግራይ ካብቲ በፅሑዋ ዘሎ ኩመዳያዊ ዕንወት ዳግም ኣብ ምህናፅን ዕብየት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ግደ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዓዘዘ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ኣብ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬተርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ጀነራል ፃድቃን ነዚ ዝገለፁ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ”ግደ ፋይናንስ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ትካላት ፋይናንስን መንግስታዊ ኣካላትን ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም እዩ።

ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንምርግጋፅ ብመሰረት ብዉዕሊ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝርርብ ይግበር ከምዘሎ ዝሓበሩ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ እዚ ተግባራዊ ክሳብ ዝኸውን ጎና ጎኒ ኩለመዳይ ፋይናንሳዊ ምሕደራ ብምትዕርራይን ሙልእ ዓቕምታትና ፀንቂቕና ብምጥቃምን መፃኢ ህላወን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘጋጠሞ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ክናገፍ እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ምስ ዘለዋ ፋይናንሳዊ ትካላት ሓበራዊ ስራሕ እንትትስራሕ እዪ ዝበሉ ድማ ፕሬዚዳንት ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መ/ር ኣሰፋ ገ/ስላሴ እንትኾኑ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዘሎን ልዕሊ ኹሉ ግና ኣብ ትግራይ ዘለዋ ኩለን ፋይናንሳዊ ትካላት ህዝብና ካብ ዝገጠሞ ማሕሙቕ ንምንጋፍ ሰፊሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ትግራይ ካብ ዝበፅሓ ዕንወት ከመይ ክትሓዊ ከምትኽእልን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለኣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክተረጋግፅ ከመይ ከምትኽእል ብዶ/ር ኣታኽልቲ ኪሮስ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝቐረቡ ኾይኖም ብተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሪኢቶን ምይይጥን ይካየደሉ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *