ንጆኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዕንወትን ሃሰያን ኣብ ምሕዋይን ምህናፅን ቴክኖሎጂ ክህልዎ ዝኽእል ግደ ጠመተ ገይሩ ዝዝቲ መድረኽ ዩኒቨርሲቲ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብዚ ብተበግሶ ኢንስቲትዮት ቴክኖሎጂ መቐለ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቦም መበገሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ዳይሬክተር ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶክተር ከላሊ ኣድሓና ፣ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዑዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፣ እቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ካብቲ ዝነበረ ብዝበለፀ መንገዲ ንምስራሕ ቴክኖሎጂ ምምራፅ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ እውን ዩንቨርሲቲታት ቴክኖሎጂ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣብ ረብሓ ክውዕል ሓገዝቲ ክኾና ከምዘለወን ገሊፀን።
ኣብቲ መድረኽ ካብ መቕረብቲ ይቐርቡ ንዘለው መበገሲ ሓሳባት ካብ ተሳተፍቲ ርኢቶ ክወሃበሎምን ኣብ ቀፃሊ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ቴክኖሎጂ ዝህልዎ ግደ መበገሲ ሓሳብ ክርከብ ትፅቢት ይግበር።
