Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግደ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ

ኣብ ትግባረ ቀንዲ ዕማማት ህዝብን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ግደ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ዕዙዝ እዩ- ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ

ኣብ መበል 14 ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካቢኔ ሴክሬታርያት ዲሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ እዘን ማሕበራት ኣብ ሕውየት ትግራይ ዝዓዘዘ ግደ ዘለወን ብምዃነን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም ክብል ትግራይ ቴሌቪዥን ፀብፂቡ ኣሎ።

ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ውሑስ ክኸውን፤ሕውየት፣እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ክመፅእ ከምኡ ውን ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ምቕያር ሰለስተ ዓበይቲ ዕማማት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ እዮም ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ክወፅእ ንሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ሓዊሱ ኹሉ ብማዕረ ክሰርሐሎም ከምዘተሓሳሰቡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ሰላም ንረብሓ ሕብረተሰብን ቀዳምነት ዝወሃቦም ፀገማት ንምፍታሕን ምስቶም መደራደርትና ናብ ዝጠንከረ ብርኪ ንምብፃሕ ብሓባር ዝጠምረና ኣከያይዳ ክንኸይድ ይግባእ ከምዝበሉን ሰላም ካልኦት ዕማማት ንምስራሕ ወሳኒ ብምዃኑ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ካልኦት ማሕበራትን ሓበራዊ ሓለዋ ከምዘድልዮ ምግላፆም እውን ኣመልኪቱ እዩ እቲ ሓበሬታ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
27 ሓምለ 2015 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *