ፕሮፌሴር ክንደያ ነዚ ዝበሉ ኣብ ዓለም ለኸ ኮንፈረስ ዋዕላ ሰላም ተረኺቦም እዩ።
ኣዕናዋይነት ኩናት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ምስክር የለን ዝበሉ ፕሮፌሴር ክንደያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘስክፍ ኩለመዳያዊ ዕንወት ኣብፂሑ እዩ ኢሎም።
ፕሮፌሴር ክንደያ ብተወሳኺ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ደግመ ህንፀት፣ ምይይጥ ምግባር ኣገዳሲ ምኻኑ ብምግላፅ ፀገማትና በዝሰልጠነ ኣገባብ በሰላም ምፍታሕ ክንለማመድ ይግባእ ኢሎም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ድማ ኣረጋጊፆም እዮም ካብኔ ሴክሬተርያት ማሕበራውን ልምዓታዊ ስግግርን ፕሮፌሴር ክንደያ ገ/ሂወት።
ኣብቲ ዓለም ለኸ ዋዕላ ሰላም ዝተረኸቡ ኣብ ምኒስቴር ሰላም ድኤታ ሚኒስትር ዶ/ር ከረድን ተዘራ ብግዲኦም ትግራይ መሰረት ታሪኽ፣እምነትን እያ ድሕሪ ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ግጭትን ኩናት ዝተሃሰየት እያ ክብሉ ገሊፆም።
እዙይ ዓለም ለኸ ዋዕላ ሰላም ዩኒቨርስቲ መቐለ ምስንዳኡ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ክትሕ ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ ናእዳ ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ዓለም ለኸ ዋዕላ ሰላም ሰላም መሰረት ዝገበሩ ፅሑፋት እናቐረቡን ምይይጥ እናተገበረሎም ይርከብ።
