ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ብኣምባሳደር እንግሊዝኛው ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዎልችን ኣብ ጀርመን ዳይሬክተር ጀነራል ኢኮኖሚያዊ ኮኦፕሬሽንን ዲቨሎፕመንትን ፎር ኣፍሪካ ብራይት ፒክልን ዝተመርሐ ጉጅለ ሎምዓልቲ ኣብ ዘሳለጥዎ ምይይጥ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ፣ ፌዴራል መንግስቲ ግን ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተትሓዘ ከባቢታት ትግራይ ክሳብ ሕዚ ክምለስ ብዘይምግባሩ ዝተመዛመሉ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው ገሊፆም እዮም ።
ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ 13 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ዝዘተዩ ፕሬዚደንት ጌታቸው ፣ ተመዛበልቲ ንኣስታት 10 ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡን ኣብ ፀገም ከምዘለዉን ናብ መረበቶም ንክምለሱን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ልኡኽ እጃሙ ክዋፃእ ሓቲቶም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ኣተሓሒዞም ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተትሓዙ ቦታታት ትግራይ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ናይ ፌደራል መንግስቲኳ እንተኾነ፣ ዛጊድ ተግባራዊ ስለዘይኾነ እቲ ፀገም ይጋደድ ከምዘሎ ገሊፆም።
