ኣይተ በየነ መክሩ ነዚ ዝገለፁ ፤ ህልዊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ነበርትን ኣመራርሓን ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።
እቶም ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣብቲ መድረክ ዘተ ኣብ ዘስምዕዋ ዘረባ ናትና ጉዳይ ክኸውን ዝግበኦ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ምትግባርን ትግራይ ብመረፃ መንግስቲ ክህልዋ ምግባርን እዪ ኢሎም።
ኹናት ንምትራፍ ክንሰርሕን ዝተጀመረ ለውጢ ክነቐፅልን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ በየነ ፤ ነቲ ስምምዕ ብልቢ ዘይተቀበለን ክትግብር ዘይደልን ብሽም ህወሓት ዝንቀሳቀስ ኣካል ምህላውን መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ሓይሊ ምክልካል ወፃኢ ዘሎ ሓይሊ ካብ ግዝኣት ትግራይ ከውፅእ ዘይምኽኣሉን ቀንዲ ሓደጋታት ስምምዕ ፕሪትርያ ምኻኖም ኣረዲኦም።
ንተፈፃምነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጽያ ዘለና ርክብ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ድሕሪ ምባል ፤ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዓሲሎም ተቐራሪቦምን ሓደ ኾይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ኣተሓሳስቦ እውን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዓብዪ ለውጢ ምዃኑን እዞም ኣወንታዊ ምዕባለታት ንድሕሪት ከይምለሱ ጠንኪርና ክንቃለስ ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣፍልጦ ዘለዎ ፣ ምስ ኢትዮጵያን ዓለምን ዘራኽበና ውፅኢት ቃልስና እዪ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ፤ ካብ ሕግን ኣሰራርሓን ወፃኢ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስን ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ብሓይሊ ንምትዕንቃፍን ምንቅስቃሳት ብምህላዎም ተወዲብና ብስርዓት ክንቃለሶ ኣለና ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ንሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣይተ በየነ መክሩ ፣ ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፣ ብግዝያዊም ምሕዳር ትግራይ ዝተሾሙ ከንቲባ ከተማ መቀለ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስን ሓዊሱ ኣመራርሓ ክልልን ዞባ መቐለን ከምኡ እዉን ነበርቲ ከተማ መቐለ ተረኪቦም ኣለዉ።
